|
|
|||
|
||||
Overviewምርምር መሰረት ምዕባለ እዩ ምባል፡ ሓደ ፍሉጥ ሓቂ ምድጋም ጥራይ እዩ። ኣብ'ዚ ዘሎናዮ መበል 21 ዘመን፡ ምዕባለ ሃገራትን ሕብረተሰባትን፡ ሰረት ኣንቢሩ ብዘማዕብሎ ሰራሪ ናይ ምርምር ዓቕምን ትካላትን፡ ብዘረጋግጾ ምልከት ስነፍልጠት፡ ብዘፍርዮ ቀጻሊ ፍልጠትን ተክኖሎጂን እዩ ዝልካዕ። ናይ ስነፍልጠታዊ ምርምር ዓቕምን ብቕዓትን ትካላትን ከየማዕበለ ዝሰልጠነ ሕብረተሰብ ስለ ዘየለ ከኣ፡ ንሃገራት፡ ሕቶ ምርምርን ምፍራይ ፍልጠትን፡ ንልምዓተንን ውድቐተንን ዝውስን ናይ ሞትን ሕየትን ሕቶ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ጕዳይ ምርምርን ምፍራይ ፍልጠትን መሰረታውነቱ እንግንዞቦን ዘይነወንዝፎን ውሳኒ ሕቶ ምዃኑ እምበኣር፡ ናይ ኣጋጣሚ ኣይኮነነ። ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን፡ ንነዊሕ እዋን፡ ኣብ ልዕሊኦም፡ ብኤውሮጳውያን ገዛእቲ ምርምር ዝካየደሎም ውድዓት እዮም ነይሮም። እቲ ንመግዛእታዊ ዕላማታቶምን ረብሓታቶምን ንኸገልግል በቶም ገዛእትን ተመራመርቶምን ዝተኻየደ ሓያለ ምርምራት ከኣ፡ ከም ኣብ መላእ ግዙእ ዓለም፡ ኣብ ኤርትራ፡ ስርዓቶም ንምርጋእን ሰብኣውን ባህርያውን ጸጋታት ንምምዝማዝን ኣገልጊልዎም። እቲ ሽዑ፡ ኣውራ ብኢጣልያውያን፡ ከምኡ'ውን ካልኦት ውሑዳት ኤውሮጳውያን ማእምራን፡ ኣመሓደርቲ ፡ ሚስዮናውያን፡ እንተላይ ወተሃደራዊ መኰንናት ዝተኻየደ፡ ንታሪኽ፡ ሕብረተሰብ፡ ባህሊ፡ ባህርያዊ ጸጋታት... ዝምልከት ዝተፈላለየ ብቕዓትን ደረጃታትን ዝነበሮ ምርምራት፡ ከም ዘይንጸል ኣካል ኤውሮጳዊ መግዛእቲ ክንዮ ሃጸያዊ ዕላማታቱ፡ ምስ ኵሉ ሕጽረታቱን ድሩትነቱን፡ ክሳብ ሎሚ ከም መወከሲ የገልግል ምህላዉ፡ ንነባሪ ኣገዳስነት ምርምር ኣጒሊሑ የረጋግጽ። Full Product DetailsAuthor: Tesfay Keleta , Rita Berhane , Demoz RisomPublisher: Hdri Publishing Imprint: Hdri Publishing Dimensions: Width: 15.20cm , Height: 2.10cm , Length: 22.90cm Weight: 0.522kg ISBN: 9789994801831ISBN 10: 999480183 Pages: 392 Publication Date: 01 November 2025 Audience: General/trade , General Format: Paperback Publisher's Status: Active Availability: Available To Order We have confirmation that this item is in stock with the supplier. It will be ordered in for you and dispatched immediately. Language: Tigrinya Table of ContentsReviewsAuthor InformationTab Content 6Author Website:Countries AvailableAll regions |
||||