|
![]() |
|||
|
||||
Overviewኣሕተምቲ ሕድሪ፡ ነቲ ካብ ግንቦት 1998 ክሳዕ ሰነ 2000፡ ናጻ ኤርትራ ገና እግራ ከይደልደለ፡ ብረዚን መስዋእቲ ዘረጋገጸቶ ሃገራዊ ልኡላውነት ትርጉም ኣልቦ ንምግባር ዝተፈተነ ሰለስተ ገዚፍ ወራራት ስርዓት ወያነን ነዚ ወራራት'ዚ ኣብ ምፍሻል ደጊሙ ዝተመስከረ ጅግንነታዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻሉን ንምንጽብራቕ፡ እዛ ""መኸተ፡ ካልኣይ ገድሊ ንምክልኻል ሃገር"" ዘርእስታ ታሽዐይቲ ቅጺ ""ዛንታታት ተመኲሮ ገድሊ"" ናብ ኣንበብቲ ይዝርግሕ ኣሎ። ታሪኽ ወራር ወያነ ብግዜ ሓጺር ይዅን እምበር፡ ብዙሕን ዝተሓላለኸን ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማሲያዊን ወተሃደራዊን ፍጻመታት ዝሓቘፈ እዩ። ብስነመጐት ሓይሊ፡ ዓመጽ ከንግስ ዘንቀደ፡ ከቢድ ቍጠባዊ ዕንወትን ምምዝባልን ዘስዓበ ኲናት ድማ'ዩ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ሓደገኛ ውጥን ፈሺሉ፡ እቲ ኲናት ዕላማኡ ከይወቕዐ ብሓያል መኸተን ጅግንነትን ተረከብቲ ሕድሪ መንእሰያት ኤርትራ፡ ተጋዳላይን ህዝቢን በርዒኑ ምትራፉ ድማ፡ ነቲ ብቕያታት ሓርነታዊ ቃልሲ ዝተመልአ ሃገራዊ ታሪኽ ኤርትራ ዝያዳ ርዝነት ክውኸሉ ክኢሉ እዩ። ኣብ መእተዊ'ዚ ናይ መጽሓፍ'ዚ፡ ዝምድና ሰውራ ኤርትራ ምስ ተቓወምቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ምስ ህ.ወ.ሓ.ት. ድማ ብፍላይ ብኸመይ መስርሕ ከም ዝሓለፈ፡ ነቲ ብዙሕ መሰናኽላት ሰጊሩ ደሓን ኣንፈት ዝሓዘ ዝምድና ዘሐርፈፈ፡ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ናብ ኲናት ዘዕረገ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊን ካልእን ምኽንያታት፡ ከምኡ'ውን መስርሕ ናይቲ ኲናትን ጎድናዊ ሳዕቤናቱን ብሕጽር ዝበለ ተተሪኹ ኣሎ። Full Product DetailsAuthor: Solomon Berhe , Efrem Habtetsion , Yosief HailemariamPublisher: Hdri Publishing Imprint: Hdri Publishing Edition: : ed. Volume: 9 Dimensions: Width: 17.80cm , Height: 3.30cm , Length: 25.40cm Weight: 1.098kg ISBN: 9789994801756ISBN 10: 9994801759 Pages: 642 Publication Date: 08 August 2019 Audience: General/trade , General Format: Paperback Publisher's Status: Active Availability: Available To Order ![]() We have confirmation that this item is in stock with the supplier. It will be ordered in for you and dispatched immediately. Language: Tigrinya Table of ContentsReviewsAuthor InformationTab Content 6Author Website:Countries AvailableAll regions |