|
![]() |
|||
|
||||
Overview"እዛ መፅሓፍ ከስሕቕ ኢለ ጥራሕ ኣይኮንኩን ፅሒፈያ። ንሕድሕድ ሰብ ምስ ዝፈጠሮ ፈጣሪ ዘለዎ ስውርን ዝገርም መንፈሳዊ ርክብ መሲጡኒ`ውን እየ ፅሒፈያ። ሓይሊ ጥበብ ፈጢራ ነብሲ ወከፍ ህይወትናን ዝፈጠረናን (ዋና ደራሲና) እንተሪእናላ ታሕጓሰይ ወሰን የብሉን። ዝተፈጠርኩሉ ዕላማ እየ ገይረ። ቕርፂ እቲ መፅሓፍ መድብል ሓፂር ልቢ ወለድ ክበሃል ይከኣል። ነዊሕ ልቢ ወለድ'ውን ከብሎ ዝኽእል ምትእስሳር ታሪኽ ኣለዎ። 'መስ-ሓቂታት' ዝበልኩሉ ምኽንያት እቶም ሓፀርቲ ልቢ ወለዳት ኮሚክ (Humor) ዓይነት ስነ-ፅሑፍ ብምዃኖም እቲ ሓደ እዩ። እቲ ካልኣይ ድማ ከስሕቑ ጥራሕ ከይኮነስ መረርቲ ሓቅታት ከም መስመስታ 'መስ' ዘብሉ ብምዃኖም'ውን እዩ መስ ኢለ ሰረዝ (-) ብምጥቃም ሓቅታት ኢለ ንኽልቲኡ ክጠምረለይ ብዝኽእል 'መስ-ሓቂታት' ክብሎ ዝመረፅኩ። ኣብ ኣቀማምጣ ቃላትን ሓረጋትን እትረኽብዎም ""ዘረባዊ"" ኣገላልጻታት ካብዚ ከምዚ ዝበለ ባህሪ ናይቲ መጽሓፍ ብዝብገስ ዝተቐመጡ እዮም። ቅዲ (ቴክኒክ) ኣፀሓሕፋይ ካብ ሕጊ ተፈጥሮ እየ ወሲደ ተጠቒመሉ። ፈጣሪ ብኣምሳሉ ንዓና (ንኩሉ ፍጡር) ቕልጢፍና ኾነ ደንጒና ንንቀሓሉ ኣይንንቀሓሉ ንሓደ ፍሉይ ዕላማ ፈጢሩና ኣሎ። ክፉእ (ሓዊ) ንምረፅ ቕዱስ (ማይ) ባዕልና ክንመርፅ ድማ ናጽነትና ነዓና ሂቡ ፈጢሩና። ምስኡ ንራኸበሉ ረቂቕ ጥበብ ብስውር ኣቕሚጡ ብግዚኡ ፅቡቕ ገይሩ ሰሪሑ ሚስጢሩ ጥበበኛ ኮይንና ክንረኽቦ መንፈሳዊ ጥበብ ኣቕሚጡልና። ኣነ'ውን ዝገበርኩዎ 'ዚ እዩ። ብኣምሳለይ ንሓደ ፍሉይ ዕላማ ሓደ ገፀ ባህሪ ፈጢረ። ክፉእን ፅቡቕን ባዕሉ ዝመርፀሉ ነፃነቱ ድማ ሂበዮ ። ስለዚ ኣነ ብኣምሳለይ (ብኣምሳልኩም) ዝፈጠርኩዎ ሙሴ (ወድብርነሽ) ገፀ ባህሪ ኣነን ንስኻትኩምን ኢና ማለት እዩ። ዘይተፈጠረ ፈጣሪና ምሳና ዝህልዎ ስውር ርክብ ኣነ ደራሲ ንዝፈጠርኩዎ ገፀ-ሰብ ዝገብሮ ርክብ ዘርኢ እዩ። ብምዃኑ'ውን ፈጣሪ (ደራሲና) ናይ ነብሲ ወከፍና ስቓይን ሕማምን ከመይ ከምዝተሰከመ፤ ንሕና ድማ ከመይ ሸኽሚ ክንኾኖ ከምእንኽእል ከሪእየና ዝኽእል ቕዲ ኣፀሓሕፋ ኮይኑለይ። ብምዃኑ'ውን ንሙሴ (ወዲ ብርነሽ) ዝፈጠርኩዎ ንሱ ግን ገና ከማይን ከማኹምን ዘይተገለፀሉ ዕላማ ብሚስጢር ክነግረኩም እየ። ሰባኺ ክኾነለይ ፍሉይ ክእለት ሂበ ፈጢረዮ። ንሱ ግን ከማይን ከማኹምን እዚ ከይተገለፀሉ ብዝሃብኩዎ ባዕሉ ናይ ምምራፅ ነፃነት ተጠቒሙ መምህር፣ መርማሪ ፖሊስ፣ እናኾነ ኣፀጊሙኒ። ልክዕ ንፈጣሪና ከምንሙጉቶ እዚ ዝፈጠርኩዎ ገፀ ባህሪየይ ድማ ""ፈጢርካኒ'ምበር መዓዝ ፅዒርካለይ?"" እናበለ ሞጊቱኒ። ነዚ ዝፈጠርኩዎ ዝፅዕረሉ ንሱ ግን ዘይተገለፀሉ ልፍዓተይ ክገልፀልኩምን ከፍልጠኩምን ኣብ ሞንጎ ሞንጎ እቶም ሓፀርቲ መስ-ሓቅታት ልቢወለድ ኣነ ደራሲ ክመፀኩም እየ። እዛ መፅሓፍ 'ፍቕሪ እቲ ደራሲ' ዝበልኩላ ምኽንያት'ውን ነዚ እዩ። ብኣይ ብዝተፈጠር" Full Product DetailsAuthor: ኣታኽልቲ ነጋPublisher: Daniel Muzey Imprint: Daniel Muzey Dimensions: Width: 15.20cm , Height: 1.70cm , Length: 22.90cm Weight: 0.417kg ISBN: 9798224355877Pages: 310 Publication Date: 07 March 2024 Audience: General/trade , General Format: Paperback Publisher's Status: Active Availability: Available To Order ![]() We have confirmation that this item is in stock with the supplier. It will be ordered in for you and dispatched immediately. Table of ContentsReviewsAuthor InformationTab Content 6Author Website:Countries AvailableAll regions |