|
|
|||
|
||||
Overview"ኣንቅዶ ፀሓፊ ተጋሩ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ብዘይ ምቁራፅ እንኸፍሎ ዘለና ረዚን መስዋእትነት ""ምእንተ ምንታይ እዚ ኩሉ?"" ዝብል ሕቶ ኣብ ርእሰይ ምምልላስ ካብ ዘዘውትር እንተነኣሰ ዓማውቲ ኣሕሊፉ። ሕዝ'ውን ግን እቲ ሕቶ ኣብ ሕልናይ ደጊሙ ደጋጊሙ ስለዝመፅእ፤ ንምታይ እዚ ኩሉ መስዋእትነት? ካበይ ዝነቅል እዩ? ዓለምን ከባቢናን ስለዝፀልኡና ድዩ? ወይስ ጎረባብትና ሕሱማት ስለዝኾኑ? ወይስ ውሽጥና ዝተሓባእናሉ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ፀገም እዩ? ነዞም ኣብ ላዕላይ ዘልዓልኩዎም ሕቶታት ንምምላስ እንትሓስብ እንተለኹ፤ ካብ ንደገ ምጥማት እቲ ነዚ ኩሉ መስዋእትነት ዘኽፍለና ዘሎ ፀገም ኣብ ውሽጥና ምድላይ መሪፀ። ኣብዚ ፅሑፈይ ክንዲ ዓቕመይ ዝፈቐዶ ኣተኲረ ክርእዮ ዝፈተንኩ፤ ማሕበራዊ ቅርፅና፣ ባህልና፣ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባታትናን ልምድናን እዩ። ክንዲ ዝከኣል እውን ካብ ኣብ ትማሊ ወይ ድማ ኣብ ታሪኽ ምትኳር ኣብ መፃኢ ህይወትና ዘመላኽትን ብውልቀይ ድማ ትግራይ ክትህነፀሉ ዝደልዩ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ከርኢ ዘኽእል መልእኽቲ ኩሉ ትግራዋይ ክርዳኣኒ ይኽእል እዩ ኢለ ብዝኸኣልኩዎ መጠን ከሕልፍ ፈቲነ ኣለኹ። ትግራይ፤ ኣብ ዓለም ካብ ዘለው ህዝብታት ዝተፈለየ ፀገም ኣየጋጠማን። ልክዕ ነቶም ብዙሓት ብፈተና ዝሓለፉን ዝሓልፉ ዘለውን፣ ንባዕሎም ክከላኸሉ ዓቕሚ ኣጥርዮም፣ ትካላት ሃኒፆምን ተቓሊሶምን ሃለዋቶም ዘረጋገፁ ጠንካራን ሕቡናትን ህዝብታት፤ ወይ ድማ መስዋእትነቶምን ተጋድሎታቶምን ንበለል እናሕለፉ ዝጠፍኡ ህዝብታት ናይ ምዃን ዕድል ዝገጠመን ሓንቲ እያ።" Full Product DetailsAuthor: Daniel Muzey , ኣማኑኤል ኣለማየ መረሳPublisher: Daniel Muzey Imprint: Daniel Muzey Dimensions: Width: 15.20cm , Height: 0.90cm , Length: 22.90cm Weight: 0.231kg ISBN: 9798224406944Pages: 166 Publication Date: 05 April 2024 Audience: General/trade , General Format: Paperback Publisher's Status: Active Availability: In Print This item will be ordered in for you from one of our suppliers. Upon receipt, we will promptly dispatch it out to you. For in store availability, please contact us. Table of ContentsReviewsAuthor InformationTab Content 6Author Website:Countries AvailableAll regions |