ዓቐበት ቍልዕነትን ኵትትናን

Author:   Nayb Ermias
Publisher:   Hdri Publishing
ISBN:  

9789994801794


Pages:   354
Publication Date:   01 December 2024
Format:   Paperback
Availability:   Available To Order   Availability explained
We have confirmation that this item is in stock with the supplier. It will be ordered in for you and dispatched immediately.

Our Price $79.20 Quantity:  
Add to Cart

Share |

ዓቐበት ቍልዕነትን ኵትትናን


Overview

ነዚ ብጽሑፍ ከስፍር ዝደረኸኒ፣ ኣብ ሕብረተሰብና ብዛዕባ ገዛእ ርእሲ ምጽሓፍ ከም ነውሪ ወይ ጃህራ ስለ ዚርአ፣ ብፍላይ እቶም ኪጽሕፉ ኽእለት ዘሎዎም ኣያታትና ወይ ዓቕሚ ዝነበሮም ኣቦታትና፣ ብዛዕባ እቲ ዘሕለፉዎ ናብራ ምስ ገድሊ፣ ፖለቲካ ወይ ጅግንነትን ቅያን ማእሰርትን ዘይተተሓሓዘ ምስ ዚኸውን፤ ""ነዚ ደኣ እንታይ ብጽሑፍ ከስፍረሉ፣"" ብዚብል ዓሻ ኒሕ፣ ብዛዕባ እቲ ተራ ዚመስል ግና ኣዝዩ ኣገዳሲ ዕለታዊ ህይወቶም ኣብ ወረቐት ኣስፊሮም ዝገደፉልና ትውፊት ዳርጋ የለን እንተ በልኩ ኣየጋነንኩን። ኩሉ ወዲ ሰብ ዜሕልፎ ናብራ፣ ብዝተወሰነ ደረጃን ኣጠማምታን ኣገዳስነት ኣሎዎ። ንኣብነት ቅድሚ ኽልተ ወይ ሰለስተ ሚእቲ ዓመት፣ ናይ ሓደ ተራ ኤርትራዊ ዕለታዊ ህይወት ከመይ ይመስል ከም ዝነበረ ኽንፈልጥ ኣይምደለናንዶ፧ ኣተሓሳስባኡ፣ ኣጠማምታኡ፣ እምነቱ፣ ማሪቱ፣ ምስዚ ናይ ሕጂ ምንጽጻሩኸ ኣይምጠቐመንዶ፧ ምግቡ፣ መሳትዮኡ፣ መዳቕሶኡ፣ ክዳኑን ግርባቡን፣ መዕቈቢኡ ኸመይ ይመስል ከም ዝነበረ ምጥላልከ ኣይምመ'ሰጠንዶ፧ ብዙሕ ግዜ ሰባት ብዛዕባ ቐደም፣ ብፍላይ ባዕላትና ንዝተመከርናሉ እዋን አዘንቢዖም ኬዘንትዉዎን ኬዕልሉሉን ይስማዕ እዩ። ዓገብ ኪብሃሉ ዚክኣል ኣይኮነን። ከመይሲ፣ ብጽሑፍ ዝሰፈረ መርትዖ ስለ ዘየለ። እንተ ዚህሉ ግና ነቲ እንተስ ብግርህነት፣ እንተስ ሰኣን ኣፍልጦ፣ እንተስ ብተንኰል ዝተማህዘ ሓሶት መረን ምኾነ። ህይወት ናይዚ ጸሓፊ'ዚ እምበኣር፣ ብመስተንክር ቅያን፣ ልቢ ብዜንጠልጥል ብርቂ ዛንታን ዘንቈጥቈጠ ኣይኮነን። ኣብ ብዙሕ ሸነኹ፣ ካብቶም ናይ መተዓብይቱ ኣመና ዘይፍለ፣ ግና መብዛሕትኦም፣ አረ'ውን ዳርጋ ዅላቶም ዝተመከርዎ ምቕሉል ናብራ እዩ። ኣንቢብኩም ክትዘናግዑሉን ክትምሃሩሉን ክትዓግቡሉን ተስፋ እገብር። ንኣቶ ዘምህረት ዮሃንስ፣ በቲ ወትሩ ኸይተሓለለ ንኽጽሕፍ ዜተባብዓንን ፍናን ዚህበንን፣ ንኡ ዘሎኒ ጥልቂ ኣኽብሮት እናገለጽኩ፣ ስለቲ ዝገበረለይ ዘበለ ሞሳይ ካብ ምግላጽ ሓሊፈ፣ ንወረታኡ በቲ ዚግባእ መጠን ክፈድዮ ዓቕሚ የብለይን። ንኣቶ ኤፍረም ሃብተጽየን ነቲ ብኮምፕዩተር ተጻሒፉ ዝተውድአ ኣንቢቡ ጠቓሚ ርእይቶን መኣረምታን ስለ ዘበርከተለይ ኣዕዚዘ እመስግን፤ ንኣቶ ክፍለጽየን በርሀ፣ ብዙሕ ጠቓሚ ሓሳባት ብፍላይ ድማ ሓደሓደ ናይ ባህሊ ቓላት ኣብ ምጥላል ዘበርከቶ ግደ ቀሊል ኣይኮነን'ሞ ብልቢ አመስግኖ።

Full Product Details

Author:   Nayb Ermias
Publisher:   Hdri Publishing
Imprint:   Hdri Publishing
Dimensions:   Width: 15.20cm , Height: 1.90cm , Length: 22.90cm
Weight:   0.472kg
ISBN:  

9789994801794


ISBN 10:   9994801791
Pages:   354
Publication Date:   01 December 2024
Audience:   General/trade ,  General
Format:   Paperback
Publisher's Status:   Active
Availability:   Available To Order   Availability explained
We have confirmation that this item is in stock with the supplier. It will be ordered in for you and dispatched immediately.
Language:   Tigrinya

Table of Contents

Reviews

Author Information

Tab Content 6

Author Website:  

Countries Available

All regions
Latest Reading Guide

MRG 26 2

 

Shopping Cart
Your cart is empty
Shopping cart
Mailing List